Tigrinska/Tigrinja

ተበግሶ Salut፤ ንጥዕና ህጻናትን መናእሰይን ተበግሶ Salut ኣብ Västerbotten ንዝርከቡ ህጻናትን መናእሰይን ኣብ ጥዕና ዝተመርኰሰ መደብ እዩ። ዝጀመረ ብ2005 እዩ ነይሩ።

ተበግሶ Salut

ኩሎም ካብ 0 ክሳብ 18 ዝዕድመኦም ህጻናትን መናእሰይን ኣብ መላእ ግዜ ቝልዕነቶም ጥዕና ዘተባብዕ ጣልቃነት ክግበረሎም ኣለዎ። እቲ ተበግሶ ጣልቃነት ንመጻኢ ወለዲ ኣብ ዝዀኑ ጥኑሳት ይጅምር።

እቲ ዕላማ ውሑስን ጽቡቕን ኵነታት ዕብየት፣ ጽቡቕ ኣመጋግባን ዝለዓለ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብምድንፋዕ፣ ጸገማት ጥዕና (ሕማም ኣእምሮ፣ ዝያዳ ኽብደት ምውሳኽ፣ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ረጕዲን ብዅባዀን) ምክልኻል እዩ።

ምስ ተበግሶ Salut ተዛማዲ ዝዀነ መጽናዕቲ ብዝምልከት ኣብዚ ዝያዳ ክተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ናይ ምትሕብባር ስራሕ

ኣብ ውሽጢ እቲ ተበግሶ ክንክን ጥዕና ኣዴታትን ህጻናትን፣ መዋእለ ህጻናት፣ ቅድመ-ትምህርቲ፣ መባእታዊ ትምህርቲ፣ ላዕለዋይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ፣ ጥዕና ተምሃሮን ዓበይትን ከምኡ'ውን ህዝባዊ ኣገልግሎት ክንክን ስኒን ብምትሕብባር ይሰርሑ እዮም።

ኣብነታት ተበግሶኣዊ ጣልቃነታት

  • መደብ ደገፍ ወለዲ፣ ኣብ እዋን ጥንስን ኣጋ እዋናት ወላዲ ምዃንን ተፈጻጻሚ መምርሕ ይህብ።
    • ኣብ ኣጋ እዋናት ጥንሲ ጥዕናን ኣነባብራን ንዝምልከት ዕላላት ጥዕና ናይ ቅድመ ሕርሲ ክንክን መጠይቕ።
    • ናይ'ቲ ቘልዑ ጥዕና፣ ኣነባብራን ዕብየትን ንዝምልከቱ ዕላላት ጥዕና ኣብ'ቲ ማእከል ጥዕና ህጻናት ዝርከብ ናይ 3 ዓመት መጠይቕ።
    • ሳንዱቕ ናውቲ ቦዲ ክሮኮዳይል፣ ኣብ ቅድመ-ትምህርትን መዋእለ ህጻናትን ጥዕና ስኒ ንምድንፋዕ ዝጠቅም ናውቲ።
    • ኣብ ክንክን ጥዕና ቤት ትምህርቲ ዘለዉ ዳህሳሳት ጥዕና ተምሃሮ፣ ምስ'ቶም ተምሃሮ ብዛዕባ ጥዕናኦም፣ ኣነባብራኦምን ኵነታት ህይወቶምን ዕላል ይገብሩ።

ገለ ሕቶታት እንተሃልዮምኹም፣ በይዛኹም ናብ ተበግሶ Salut ተወከሱ

salut@regionvasterbotten.se